2018-03-07



I. መእተዊ

ኣብ ዝሓለፈ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ዘይተዘርበ’ምበር ዘይተገብረስ የለን ይብሃል፡፡

ኣነ’ውን በዚ ሓሳብ’ዚ ይስማዕማዕ፡፡ እዚ ንምርግጋፅ ድማ ብዙሕ መፅናዕትን ምርምርን ዘድልዮ ኣይመስለንን

ምኽንያቱም ህ.ወ.ሓ.ትን ህዝቢ ትግራይን ካብ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 20 ግንቦት 1983 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ናይ 17 ዓመታት መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ኣብ ሕድ ሕድ ዓመት፣ ወርሒ፣ መዓልቲ፣ ሰዓትን ደቒቓን

ንምእማኖም ዘፀግሙ ታሪኻት ተፈፂሞም’ዮም፡፡

ይኹን’ምበር እቲ ታሪኽ ብሙሉእነት አይተሰነደን ጥራሕ ዘይኮነስ ዛጊድ ዝተሰነዱ ገድላዊ ታሪኻት ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ’ዮም፡፡ ከም መርኣያ ዝውሰዱ ዝተወሰኑ ፍፃመታት ማለት ከም ኦፕሬሽን ሙሰ፣ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ፣ ወፍሪ ሰርዶ ወዘተ ዝኣመሳሰሉ ሕድይተይ ታሪኻት ጥራሕ’ዮም ብፅሑፍን ብፊልምን ተሰኒዶም ዝርከቡ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ተበግሶ ወሲዶም እዞም ታሪኻት ናብ ወለዶ ንኽመሓላለፉ ግቡኦም ንዝፈፀሙ ውልቀ ሰባትን ኣብ’ቲ ከይዲ ሓገዝ ዝገበሩ ኣካላትን ዓብይ ናእዳን ክብርን ክወሃቦም ይግባእ እብል፡፡ ኣነ ታሪኽና መሊእና ከይሰነድና ጊዜ ይሓልፈና’ሎ ክብል እንከለኹ ከም ሓደ መበገሲ ገይረ ዝወሰድክዎ ሓሳብ እቲ ሕሉፍ ቓልሲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዘየርከበላ ትግራወይቲ ስድራ ስለዘየላ እቲ ታሪኽ ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ’ዩ ዝብል’ዩ፡፡

ኣብ’ዚ ቓልሲ’ዚ ሕድሕድ ቁሸትን ስድራቤትን ትግራይ ዓብዩ እጃም ነይርዋ፡፡ በዚ መዳይ ክንሪኦ እንከለና ገና ብዙሓት ዘይተሰነዱ ታሪኻት ከምዘለዉናን እዚ ሐዚ ዘሎ ወለዶ እቲ ታሪኽ ምስናድ ካብ እቶም ዝተዋህብዎ ሓደራታትን እዚ ግዜ’ዚ ካብ ዝጠልቦም ታሪኻዊ ሓላፍነታት ሓደ ክኸውን ከምዝግባእ ስለዝኣምን’የ፡፡

ወነንቲ እዚ ታሪኽ መላእ ህዝቢ ትግራይን እቶም ኣብ’ቲ ቓልሲ ግቡኦም እናበርከቱ ዝመፁን ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን

ዝርአ ዘሎ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ንኽሪኡ ዕድል ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ጀጋኑ ተጋደልቲ፣ ወየንትን ኣባላት

ስርዒትን’ዮም፡፡ ይኹንም’በር እዞም ዝተፈላለዬ ታሪኽ ዝፈፀሙን ፍልፍል መረዳእታ’ቲ ታሪኽ ክኾኑ ዝኽእሉን ሰብ ታሪኽ ከም ብዋዛ በቢ ሓድ ሓደ ይፍለዩና ኣለው፡፡

ንሳቶም እንተኾነ ፈፀምቲ ታሪኽ ስለዝኾኑ ታሪኽ ክዝክሮም’ዩ፡፡ ኹንም’በር እዞም ሰብ ታሪኽ እናስኣናዬም ብዝኸድና ቑፅሪ ታሪኽና መሊእና እንተይፀሓፍናን እንተይሰነድናን ጊዜ ይሓልፈና ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ፡፡

ኣብ መፋርቕ እቲ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝተወልደ ህፃን እቲ ቓልሲ እንትዛዘም ከባቢ 8 ወይ 9 ዓመት ክኾኖ ’ዩ፡፡ እዚ

ህፃን’ዚ ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ዝነበረ ቕያ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን አፀቢቑ ክርድኦ ዝኽእል አይኮነን፡፡ እዚ ህፃን’ዚ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ወዲ ከባቢ 30 ዓመት’ዩ ክኸውን፡፡ ስለዚ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ዕድሜኦም ክሳብ 30 ዓመት ዝኾኖም ህፃውንትን መናእሰይን ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ..ሓ.ትን ክምዚ ነይሩ ብዝብል እዮም ካብ 3ይ ወገን ዝሰምዕዎ ዘለው ማለት’ዩ፡፡

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ዕድሚኡ ክሳብ 30 ዓመት ዘሎ ወለዶ (2ይ ወለዶ ምኻኑ’ዩ) ዳርጋ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ

ይኸውን እንተይልና፣ ሐዚ ዘሎ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ እቲ ታሪኽ ከምዚ ነበረ ብዝብል’ዩ ዝዝንተወሉ ዘሎ ማለት’ዩ፡፡ ካብ ሐዚ ጀሚሩ ካብ ዝቕፅሉ 30 ዓመታት ንደሓር ዝህሉ ወለዶ (3ይ ወለዶ ምኻኑ’ዩ) ድማ እቲ ጠቕላላ ህዝቢ ታሪኽ ህ.ወ.ሓ.ትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ’ቲ ቃልሲ ኢዱ ብዝሓወሰ ሰብ ወይ ድማ ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ብዝነበረን ከይዲ’ቲ ቃልሲ ክዝክሮ ብዝኽእልን ሰብ ኣይኮነን ነቲ ታሪኽ ክንገሮ ማለት’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ቐፀልቲ ወለዶታት ብኸመይ መልኽዕ’ዩ እቲ ታሪኽ ክፀንሐሎምን ክዝንተወሎምን ዝብሉ ሕቶታት እዋናዊን ሐዚ’ውን እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ከይሓለፈናን እቶም ሰብ ቕያ መሊኦም እንተይሓለፉን ኩሉ ትግራዋይ ክሓስበሉን ነናይ እጃሙ ከበርክተሉን ዝግባእ እዚ እዋን’ዚ ካብ ዝጠልቦም ታሪኻዊ ሓላፍነትና’ዩ፡፡

II. እዚ ታሪኽ’ዚ ምስናዱ ንምንታይ የድሊ፣ ብኸመይ አግባብከ ክስነድ ይግባእ?

እዚ ታሪኽ’ዚ ምስናዱ ንምንታይ የድሊ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ’ዩ፡፡ ነዚ ድማ ብዙሓት ምኽንያታት ምሃብ’ኳ

እንተተኻእለ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ መጠን ንኣሽሓት ዓመታት ዝፀንሐ ናይ ባዕሉ ቋንቋ፣ ባህልን ታሪኽን ዘለዎን እቲ ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ድማ ብሄራዊ መንነቱ፣ማዕርነቱን ፍትሓዊ ተጠቃምነቱን ንምኽባርን ውሑስ ንምግባርን ልዕሊ 60,000 (ስድሳ ሽሕ) መላምል ደቁ ብመስዋእቲ ዝኸፈለሉ፣ ልዕሊ 100,000 (ሚኢቲ ሽሕ) ደቁ ድማ ኣካላቶም ዝገበሩሉን ሰፍ ዘይብል ጥሪትን ናውትን ዝተኸፍለሉን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ግራይ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ንዘመናት እናተዘንተወ ክነብር ዝግብኦን ንቐፃሊ ወለዶ ሕድሪ ንምትሕልላፍ አገዳሲ ብምኳኑን’ዩ፡፡

ኣብ’ቲ ሕሉፍ መሪር ቓልሲ ተጋደልቲ፣ ወየንቲ ፣ ኣባላት ስርዒትን ህዝቢ ትግራይን ብኣማኢት ዝቑፀር መፃሕፍቲ

ክወፆ ዝኽእል ታሪኽ ዓሚሞም ክኾኑ’ዮም ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡ ይኹንም’በር ክሳብ ሐዚ ተሰኒደን ዝርከባ

መፃሕፍቲ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ እየን፡፡ ብመዳይ ወተሃደራዊ ስርሒታት፣ ብመዳይ ፖለቲካ፣ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ፣ ኣብ ክፍሊ ባህሊ፣ ሰራሕቲ ርክባት ወፃኢ፣ ከይድን ፍፃመታትን መቐሎ መሬት፣ ውዳበ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ሃብቲ ተፈጥሮ ንምሕብሓብ ዝነበሩ ፃዕርታት፣ ምንቅስቓስ ክፍልታት ግልጋሎት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ቤት ፍርድታትን፣ መሠረት ህንፀት ዲሞክራሲ ዝነበራ ባይቶታትን አቃውመአንን፣ ውዳበ ወየንቲ/ህዝባዊ ምልሻ፣ ፍሉይ ተሳትፎን ኣበርክቶን ደቂ ኣነስትዬ ፣ ብመዳይ ቁጠባ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝነበሩ ፃዕርታት፣ ተሳትፎ ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ኣብ ከይዲ’ቲ ቓልሲ አጋጢሞም ዝነበሩ ደውታታትን ዝተኣለይሉ አግባብን፣ ኣብ 1977 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ብዘጋጠመ ደርቂ ምኽንያት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ህልቂት ወዘተ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይተሰነደ ታሪኽ ኣሎ፡፡

ኣነ ኣብ’ቲ ቓልሲ ተሳታፊ ኣይነበርኩን፣ ግን ዝተወሰነ ምንቅስቓስ’ቲ ቓልሲ ብኣካል ብምርኣዬይ ጥራሕ ዕድለኛ’የ፡፡ እቲ ዝረኣኽዎ ንደቀይ ክነግረን እንከለኹ ከም ነበረያ ነበረ ኮይኑ እዩ ዝስመዐን ነይሩ፡፡ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን መበል 40 ዓመት ልደት ህ.ወ.ሓ.ት. ኣመልኪቱ ኣብ ዝመሓላለፍ ዘሎ ፍሉይ መደብ ቴሌቪዥን ትግራይ፣ እቲ ዛንታ ገድሊ ብዋናታት እቲ ታሪኽ ክቐርብ እንከሎ እተን ደቀይ እቲ ዝብለን ዝነበርኩ ነበረያ ነበረ ዘይኮነስ ናይ እማን ታሪኽ ምኳኑ ንኽርድኣ ገይርወን’ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዛንታ ገድሊ ብሰብ ታሪኽ ናይ ምግላፅ ጅማሮ ብስፍሓትን ብቐፃልነትን እንተዝቐርብ ንቕድሚት ኣብ ዝካየድ ስነዳ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ዓብይ እታዎት ከምዝኾን አየጠራጥርን፡፡

እዞም ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ከም ሰብ መጠን ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኾይኑ መዓዝ ከምዝሓልፉ ኣይፍለጥን፡፡ ክሳብ ሐዚ’ውን

እቲ ታሪኽ መሊኦም ከይነገሩና ብዙሓት ጀጋኑ አምሊጦምና ብዙሓት መፃሕፍቲ ከየንበብናዮም ተቐቢሮሙና’ዮም፡፡ ካብ ሐዚ ንድሓር እዚ ማእለያ ዘይብሉ ታሪኽ ከይተኣደነ ክቕበር ኣይግባእን፡፡

ታሪኽ ይሓ፣ ኣኽሱም፣ መስጊድ ነጋሽ ወዘተን ታሪኽ ጀጋኑ ወለድና ሃፀይ ዬሃንስ፣ ራእሲ አሉላን ታሪኽ ቀዳሞት

ወያነን ብኣግባቡን ብሙሉእነትን ተሰኒዱ ብዘይ ምፅንሑ ክንደይ የጣዕሰና’ሎ፡፡ ታሪኽ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ድማ ብዋናነት ታሪኽ ተጋሩ’ኳ እንተኾነ ቀንዲ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ታሪኽ ኣፍሪቃዊያንን ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ውፁዓት ህዝብታት መርኣያ ጥንካረን ፅንዓትን ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ታሪኽ’ዩ፡፡ እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ንወለዶ ብነበረያ ነበረ እናተሸራረፈ እንትመሓላለፍ ዘይኮነስ ብሙሉእነት፣ ብሞያዊ ክእለትን ብቴክኖሎጂን ተደጊፉ ብዝተፈላለዩ ኣግባባት ማለት’ውን ብመልክዕ ተኸታተልቲ መፃሕፍቲ፣ ፊልምታትን ካልኦት ኣግባባት ስነዳን ተዳልዩን ተዓቂቡን ንወለዶታት ክመሓላለፍ እንትኽእል’ዩ፡፡

ብዋናነት ምንጪ ናይ’ዚ ታሪኻዊ ሰነድ መን’ዩ ክኸውን? እዚ ታሪኽ’ዚ ከመይ’ዩ ክስነድ? መን’ዩ ኸ ክስንዶ? እቶም

መረዳእታታት ካበይ ይተኣኻኸቡ? ነዚ ዘድሊ ጥሪትን ናውትንከ ካበይ ይርከብ? ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ

ሕቶታት ክልዓሉ ይኽእሉ፡፡ ብዋናነት ታሪኽ ዝሰርሕ ህዝቢ’ዩ፡፡ ታሪኽ ህ.ወ.ሓ.ት ድማ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ’ዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ቀንዲ ፍልፍል መረዳእታ እዚ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን’ዩ፡፡ ህ.ወ.ሓ.ት ከም ኣካል ህዝቢ

ትግራይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምውዳብ፣ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ፣ ህዝቢ ናብ’ቲ ቓልሲ ንኽዓስል ኣብ ምግባር፣ እቲ ህዝባዊ ቓልሲ ኣብ ምምራሕን እቲ ቓልሲ ኣብ ምዕዋትን ወዘተ ንዝፈፀመቶም ታሪኻዊ ፍፃመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ካብ ዝነበሩ ኣባላት ኣመራርሓ፣ ተራ ተጋደልቲ፣ ወየንትን ኣባላት ስርዒትን ሕድ ሕድ ታሪኽ

ብእርይ ቑፅር ክስነድ ይግባእ፡፡

ናይ’ዚ ታሪኽ’ዚ ስነዳ ኣድላይነትን እዋናዊነትን ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ እቲ ታሪኽ ዝሰርሑ ተጋደልቲ፣ ወየንትን

ነበር ኣባላት ስርዒትን ድማ ብፍላይ ነዚ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ንኽመፅእ ሂወት ናይ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ተቓለስቲ ታሪኻዊ

ሓደራ ከምዘለዎምን እዚ ሐዚ ዘሎን ንቕድሚት ዝመፅእ ወለዶ ድማ እዚ ታሪኽ’ዚ ናይ ምፍላጥ መሰል ከምዘለዎ

ኣሚኖም ግብራዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

እቲ ታሪኽ አዝዩ ሰፊሕን ዓሙቕን ምስ ምኻኑ ንምስናዱ’ውን ብዙሕ ፃዕርታት፣ ፍልጠትን ውፍይነትን ይጠልብ፡፡ ነዚ ድማ ኣድላይነት ዝተጠናኸረ ውዳበን አመራርሓን አገዳሲ ይኸውን፡፡ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ዘካይድዎ ዝነበሩ ቓልሲ ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እኳ እንተነበረ ኣበርክቶ

ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ኣገዳሲ ከምዝነበረ ይንገር፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ታሪኽ ኣብ ምስናድ ዝህሉ ውዳበ ዓለም ለኻዊ መልክዕ እንተዝህልዎ ማለት’ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዝድረት እንተይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣብ’ቲ ቓልሲ ብዝተፈላለየ መልክዑ እጃሞም ዘበርከቱ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ

ትግራይን’ውን ዝሓወሰ እንተዝኾን ዝበለፀ ሙሉእ ይገብሮ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

ሰለዚ እቲ ውዳበ ስነዳ ታሪኽ በቢ ክፍላተ አህጉር፣ ብሃገር ደረጃ፣ ኣብ ትግራይ ድማ ብደረጃ ክልል፣ ብዞባ፣

ብወረዳ፣ ብቐበሌን ብብርኪ ቁሸትን ብተዋረድ ክውደብ ይኽእል፡፡ እቲ ታሪኽ መን’ዩ ክስንዶ ንዝብል ሕቶ እቲ መስርሕ ክሳብ ቁሸት ብዝወርድ ውደባ በቢ ቁሸቱ ዝነበረ ታሪኻዊ ፍፃመታት ካብ ሕድ ሕድ ቁሸት መረዳእታ ዘተኣኻኽብን እቲ ስነዳ ታሪኽ ዝመርሕን ዓለም ለኸ ኮሚሸን ስነዳ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ብዝብል ስም ዝጣየስ ውዳበ ክኸውን ይኽእል፡፡

እቲ ስነዳ ታሪኽ ሓደ ኣካል ናይ’ቲ ሕሉፍ ቓልሲ ተገይሩ’ውን ክውሰድ ይግባእ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት፣ ብዋናነት እቶም ሰብ ዋና ታሪኽ፣ ተመራመርቲ ታሪኽ፣ ሶሺያል አንትሮፖሎጂስትስ፣ ሰብ ሞያ ቋንቋ፣ ሰብ ሞያ ስነ-ፅሑፍ፣ ስነ ጥበባዊያን፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰብ ሞያን ኣብ’ዚ ስነዳ ታሪኽ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑ ይግባእ፡፡

እቲ ታሪኽ ሙሉእ ብዝኾነ መልክዑ ንኽስነድ ድማ ተሳትፎ ዝተፈላለዩ አካላት ኣገዳሲ ክኸውን’ዩ፡፡ ኣብ’ዚ

ብዋናነት ክሳተፉ ዝኽእሉ ኣካላት ድማ፡-

– ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

– ቤት ፅሕፈት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ

– መለስ ዜናዊ ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ መሰልጠኒ ኢንስቲትዩት

– ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (EFFORT)

– መቐለ ዩኒቨርሲቲ

– ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ

– ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ

– ሓፋሽ ማሕበራት (ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ፣ማሕበር መናእሰይ ወዘተ)

– ቤት ፅሕፈት ተጋሩ ዲያስፖራ

– ውልቀ ሰባት ምሁራት ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ወዘተ እቲ ታሪኽ ከከም ፍፃሜኡ ብፅሑፍ፣ ብስእሊ፣ ብኦይዶ ቪዥዋል ወዘተ ክስነድ ከምዝግባእን በዝሒ ሰለዝህልዎን ድማ ጊዜ ዝወስድን ናይ ብዙሓት ሰብ ሞያ ተሳትፎ ስለዘድልዬ ዝጠልቦ ናይ ገንዘብን ማቴሪያልን ንዋት ቀሊል ኣይክኸውንን፡፡

ነዚ ዘድሊ ናይ ገንዘብን ማቴሪያልን ንዋት ድማ ከም ዋና በዓል ታሪኽ ቀንዲ ምንጩ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ይግባእ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዝተፈላለዩ ምህዞታት ብምጥቃም ዝበዝሕ ናይ ገንዘብን ማቴሪያልን

እቶት ካብ ህዝቢ ምትእኽኻብ ይክኣል፡፡ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዝርከቡ ነዚ ዕላማ’ዚ ክድግፉ ዝኽእሉ ትካላትን ውልቀ ሰባትን’ውን አገደስቲ ምንጪ ገንዘብን ማቴሪያልን ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

ኣብ ዓዲ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዝርከቡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሞያዊ ኣበርክቶ ክህቡ ዝኽእሉ ምሁራት ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን’ውን ኣብ’ዚ ከይዲ’ዚ መተካእታ ዘይብሉ ግደ ይህልዎም፡፡ ኣቐዲመ ከም ዝጠቐስኩዎ ነዚ ዕላማ’ዚ ክድግፉ ዝኽእሉ ቅድም ኢሎም ዝተዳለው ናይ ታሪኽ ሰነዳት አለው፡፡

እዚኣቶም ከም ተወሰኽቲ እታዎታት ምውሳድ ይክኣል፡፡ ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ብፍላይ

ኣብ ኢድ ውልቀ ተጋደልቲ፣ ኣብ ኢድ ወየንቲ፣ ምስ ኣባላት ስርዒትን ምስ’ቲ ሕብረተሰብን ክህልው ዝኽእሉ

ዝተፈላለዩ ፎቶግራፋት፣ ፅሑፉት፣ ቪድዬታት ወዘተ ነዚ ከይዲ ስነዳ ታሪኽ ኣገደስቲ እታዎታት ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

ኣብ ቤት ጽሕፈት ህ.ወ.ሓ.ት ዝርከቡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝተቐመጡ ሰነዳት ታሪኽ ቓልሲ መተካእታ

ዘይብሎም’ዮም፡፡

ካብ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 20 ግንቦት 1983 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝወፁለንን ስውኣት አባላት ስርዒት ዘለወንን ሰድራቤታት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ መወዳእታ 1984 ዓ.ም ዝተኻየደ ሰፊሕን ዓሙቕን ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ መፅናዕቲ ሓደ ተወሳኺ ምንጪ ሓበሬታ ክኽውን ይኽእል፡፡ ኣብ’ዚ ታሪኽ ናይ ምስናድ ከይዲ እዚኦምን ካልኦት ብዙሓት ምንጭታት ሓበሬታን ክህልው ከምዝኽእሉ ይእመን፡፡

እቲ ከይዲ ስነዳ ታሪኽ ዝህልዎ አወዳድባ፣ ፍልፍል ሓበሬታ፣ ንመፅናዕትን ስነዳን ዘድሊ መጠንን ፍልፍልን

ገንዘብን ማቴሪያልን ወዘተ ብዝምልከት ዝርዝር መፅናዕቲ ብምክያድ ፕሮፖዛል ዘቅርብን እቲ ከይዲ ብዋናነት

ዝመርሖን ቅድም ኢለ ዝጠቐስክዎ ኮሚሽን ምቋም ኣድላዩ ይኸውን ዝብል ሪኢቶ አለኒ፡፡

III. መጠቓለሊ

ቤት ፅሕፈት ህ.ወ.ሓ.ት ዛጊድ ሰነዳት ኣብ ምትእኽኻብን ኣብ ምዕቃብን ዘካየዶ ፃዕሪ ከም ዘሎ ኾይኑ፣ ንቕድሚት

እዚ ዕማም’ዚ ከም ዓብዩ ታሪኻዊ ሓላፍነትን ሕድሪ እቶም ዝሓለፉን ስለዝኾነ ሐዚ’ውን ታሪኽ ህዝብናን

ውድብናን መሊኡ ከይተፅሓፈን ከይተሰነደን ጊዜ ከይሓልፈና መሪሕ ግቡኡ ንኽፃወት ሓደራ እብል፡፡

ኣብ መወዳእታ መርኣያታት ህዝባዊነትን ፅንዓትን ዝኾና ቃላት ዝሓለፉ ጀጋኑ ጠቒሰ ፅሑፈይ ክዛዝም፡፡

ኣብ 1977 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ብዘጋጠመ ደርቂ ምኽንያት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ህልቂት ኣመልኪቱ

ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣብ መበል 17 ዓመት ልደት ህ.ወ.ሓ.ትን ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ካብ ዝተዛረቦ “..….ኣብ

1977 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ብጥምየትን ብደብዳብን ናይ ብርሰትን ናይ ጥፍኣትን ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ሰብ ይመውት ሰብ ይትካእ፣ ዓዲ ይጠፍእ ዓዲ ይትካእ፣ ህዝቢ እንተጠፊኡ ግን ናይ መወዳእታ ጥፍኣት’ዩ……”፡፡እቲ ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪቱ ምስ ማዕኸን ሓበሬታ ቢ.ቢ.ሲ ካብ ዘካየዶ ቓለ ምሕትት ንምጥቃስ“………..እንቃለሰሉ ዘለና ህዝቢ ብሰንኪ ደርቅን ጥምየትን ከም ቆፅሊ እናረገፈ ናትና ምቅላስ እንታይ’ዩ ፋይድኡ? ምእንቲ መን ኢና ደኣ ክንቃለስ ?……..ኣብ ሂወተይ ከም’ዚ ጊዜ’ዚ ዝሓዘንኩሉ ጊዜ የለን……..”

ሰራዊት ደርጊ ኩነታት ተጠቒሙ ኣብ ሰንሰለታዊ ጐቦታት ጉና ዝነበረ ምክልኻል ድፋዕ ህ.ወ.ሓ.ት ሰቢሩ ብምሕላፍ

ሕዝቢ ትግራይ ንምብራስ ኣብ ዘካየዶ ፅዑቕን መሪርን ኩናት ተጋዳላይ ገረዝጊሄር (ስፓናቶ) ካብ ዝተዛረቦ “ ንሕና እናሃለና ማህፀን ትግራወይቲ ኣዶ ብሳንጃ ኣይቕደድን ”

ተጋዳላይ ኣፅገባ መራሒ ቦጦሎኒ 20 ኣብ 1970 ዓ.ም ኣብ ይሓ ምስ ደቂ ኣሃድኡ ብረቱ እናፀረገ ካብ ዝተዛረቦ ቃል “ኣንታ ብፆት ዉሑዳት ንመስል እምበር ፅባሕ አሻሓት ኢና፡፡ ካብ’ዞም አብዚ ዘለና ዕድል ገጢምዎም ናይ ነፃነትን ሓርነትን ሰንደቅ ኣብ ትግራይ እንትትከል ንምርኣይ ዝተዓደለ ክህልወና ይኽእል’ዩ፡፡ እኒ እከለኸ ኣበይ ተሪፎም? በሃሊኡ ግን ስለዝበዝሕ በዓል ዕዳ እዩ፡፡

ኣነ ንሱ ክኸውን ኣይምነን፡፡ እንተ ንሱ ግን ብፆቱ ኣበይ ከምዝወደቁ እንታይ ኢሎም ከምዝሓለፉ ምፅናዕ’ያ ተዋፅኦ” ኣፅገባን ከምኡ ብጅግንነት ዝሓለፉ ልዕሊ ስድሳ ሽሕ ኣፅገባታትን ሰብ ዕዳ ኣይኮኑን ምኽንያቱም ዕድኦም ከፊሎም ስለዝሓለፉ፡፡

ብሚልዮናት እንቑፀር ሰብ ዕዳ ግን ኣለና ፡፡ ናትና ዕዳ ግን እኒ ኣፅገባ ምስ ዝኸፈልዎ ዕዳ እንትነፃፀር

ኣብ’ዚ እቶ ዝበሃል አይክኾንን፡፡ ዝመፅእ መበል 50 ዓመት ልደት ህ.ወ.ሓ.ት እንትኽበር እቲ ታሪኽ ብሙሉእነት ተፃሒፉን ተሰኒዱን እንርኤሉ በዓል

ክኸውን እምነ፡፡

ወርቂ ብሓዊ ከምዝፍተን ህዝቢ ትግራይ፣ ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት፣ ወየንቲ ትግራይን ኣባላት ስርዒት ህ.ወ.ሓ.ትን

ብሓዊ ዝተፈተኑ ወርቅታት ስለዝኾኑ ታሪኾም ድማ ብሙሉእነት ብወርቂ ቀለም ተፃሒፉን ተሰኒዱን ናብ ዉልድ ወለዶ ክሰጋገር ይግባእ፡፡

የቐንየለይ!

ገብረመድህን ገብሩ

ggebru4@gmail.com

Show more